ሓደ ካብቶም ብጅግንነት ዝፍለጡ ብዓል ቂያ ኣቦ እዮም፡፡ሓጅ ኢማም ሙሳ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ብጅግንነትን ትብዓትን ዝቃለሱ ዝነብሩ ኣብነታዊ ኣቦ እዮም ነይሮም፡፡

ኣብ እዋን ፈደረሽን ዝተወሰነ ውሳኔ ነጺጎም፣ ናብ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ ብምውራድ፣ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ከደዓት ደቂ ሃገር ዝፈረሙዎ ውዕል እዩ፣ እናበሉ ብካሮሳ ገይሮም ንኹሉ ህዝቢ ኣስመራ ኣንጻር ፈደረሺን ምስ ኢትዮጵያ ኣፈረሙዎሞ፣ ነቲ ዝኣከብዎ ፌርማ ውን ፣ ናብ ሕቡራት መንግስታት ብተሌግራም ዝለኣኹ ቆራጽ ብዓል መትከል እዮም፡፡ ብሰንኪዚ ድማ ብሓሰዉቲ ደቂ ሃገር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲዃላ ንኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩ ተፈርዱ፡፡ ኣብቲ ቤት
ማእሰርቲ ውን ነቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣስላም ቁርኣን እንዳ ኣቅራኡ ቁርኣን ኣሕፈዙዎም፡፡
ሰላት ዉን 5 ዎቕቶም ብግቡ ይሰግዱ ነበሩ።
እዞም ኣብነት ህዝብና ዝኾኑ
ኣቦና ሓጂ ኢማም ሙሳ ነዚ ይመስል ገለ ካብቲ ቁንጫል ታሪኾም።ኣብ መትከሎም ጹኑዕ ፍኒሕ ምኒሕ ዘይብሉ ዝበሉዋ ዝፍጽሙ ተባዕ ዘሐብኑ ኣቦ

Shopping Basket