ኤርትራውያንጀበርቲ ነትዎርክ
ብዛዕባና
ጀበርቲ ነትዎርክ ኣብ ሕቡራን ሃገራት ኣሜሪካ ብሕጊ ዝተመዝገበ ካብ ረብሓ ነጻ ዝኾነ ናይ ልዝብ ማዕክን አዩ
ጠመተና
ጀበርቲ ነትዎርክ ጠመትኡ ምክልኻልን ምድልዳልን መሰላትና ኣብ ማሕበራዊ መንነት ኮይኑ ንኹሎም ምእንቲ ሃገር ኤርትራ ዝቃለሱ ኣካላት ብዘይጻባእ መንገዲ ይኸውን
ክብርታትና
ጀበርቲ ነትዎርክ ኣብ ናይ ሰላምን ፍትሕን ተልእኾታትን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝህሉ ተጻዋርነትን ዓቢ ኣኽብሮት የንብር። ንኩሉ ጽዩፍ ተግባራትን ባህርያትን ከምኡውን ኣድልዎን ጸረፍትሕን ኣዝዩ ይነጽግን ብትብዓት ይቃለሶምን
ተልእኾና
ጀበርቲ ነትዎርክ ንደቂ ጀበርቲ ክምህርን ክሕብርን ከሐይልን ከድምዕን ይህቅን
ብመስመር መርበባዊ ሰኪዐት ኣቢሉ ነዞም ዝስዕቡ ዕማማት ይኣሊ
ባህልን ታሪኽን
ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ደቂ ጀበርቲ ሓድነቶም ብምድልዳል ንኽብርታቶምን ባህሎምን ታሪኾምን ብዝምልከቱ ጉዳያት ኣፍልጦኦም የደልድል
መራኸብን ንጥፈታትን
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደቂ ጀበርቲ ብመልክዕ ግብረሰናይ፣ ብምብራህ ባህላውን ብሄራውን መንነት፣ ናይ ዲንን (ሃይማኖት) ትምህርትን ልዝብ፣ ማዕክናዊ ምንቅስቃሳት ከመኡውን ማሃርቲ ዝኾኑ ክትዓትን ሰሚናራትን ብምቕራብ ንኣፍልጦኦም የማዕብል
ሓድነት
ኣገዳስነት ናይ ሓድነትን ሃገራውን በርገሳውን ዕማማትን ደቂጀበርትን መላአ ህዝቢ ኤርትራን ንምድልዳል ብርቱዕ ጻዕሪ የካይድ
መድረኽ
ንኹሎም ናይ ኤርትራ ግብረሰናይ ማሕበራትን ፖሎቲካዊ ትካላትን ደለይቲ ፍትሕን ህዝባዊ ምንቅስቃሳትን ዝዋሰእሉ መድረኽ የበርክት

